Tigrinya
አብ ኔዘርላንድ ንመጀመርታ ግዜ
አብ ኔዘርላንድ ንሓጺር ግዜ ወይ ከኣ ንነዊሕ ግዜ ጸኒሒካ ትከውን። ብዙሕ ተሞክሮውን ስለዘለካ ነቲ ዘለካ ክእለት ኣብ ስራሕ ክተውእሎ ብዙሕ ድልየት ይሕልወካ ይከውን።
እቲ ናይ ውሽጢ ድልየትካን ሕልምካን ከይፈርሓካ ፣ ከምድልየትካ እትነግሮ ሰብ ከምትደልይ ድማ ኣይንጠራጠርን።
ብዛእባ እግዚአብሔር ዘሎካ ሕቶታት ምስ ቀሺ(ፓስተር) ምምቃል ትደልይ ዶ?
አብ ኔዘርላንድ ብዝጀመርካዬ ሓድሽ ሒወት ብዙሕ ፈተናታት ኣጎኒፉካ ዶ? ንኣብነት ኣብ ስራሕካ፣ ኣብ ሓዳርካ፣ ምስ ቆልኡትካ ወይ ድማ ምስ ኣከባቢካ።
ወይ ድማ ኣብ ኣድካ፣ ኣብ ገዛካ ከም ዘለኻ ክስማኣካ መእታን ስድራ ትደልይ ትከውን።
ከም ናትካ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ከ ንምርካብ ትደልይ ዶ? ወይ ድማ ኣብ ዘለካዬ ከባቢ ናብ ቤተክርስትያን ክትከይድ ዶ ትደልይ?
ብዛእባ እምነትካ( ክርስትና) ሕቶታት ኣለካ ዶ? ምስ ካልኦት ሰባት ክትመያየጥ ትደልይ ዶ?
ምስ ካልኦት ስደተኛታት መጺእካ ክትራከብን ብእምነትካውን ዘድልየካ ሓገዝ ክትረክብ ንእድመካ።
በቲ ዘድልየካ መንፈሳዊ ሕይወት ረኪብና ክንህግዘካ መእታን ኣብ ትሕቲ ዘሎ ፎርም ክትመልኦ ብትሕትና ንሓተካ።
ስም፡
ጾታ፡
ዕለተ ልደት፡
መበቆል ዓዲ፡
መበቆል ቋንቋ፡
ኣብ ኔዘርላንድ ክንደይ ጌርካ፡
ኣብ ኔዘርላንድ ትቅመጠሉ ከተማ፡
ስልክ ቁጽሪ፡